ትካላት ፀጥታን ደሕነትን ዋልታ ሰላም፣ ሓላዊ ብሄራዊ ክብርናን ረብሓናን እዮም።
ሎሚ “ምውህሃድ ትካላት ፀጥታን ድሕነትን ንሃገራዊ ሰላምን ፀጥታን” ብዝብል መሪሕ ሃሳብ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ሃገራዊ ደሕነት ተሳቲፍና።
ኣብ ዞባና ዝረኣዩ ዘለው ኩናት ሓድሕድ፣ ውዲት ግብረሽበራዊ ጉጅለታት፣ ኩናት ማእኸላይ ምብራቕን ጂኦፖለቲካዊ ወጥሪን ንሃገርና ዋላ እኳ ተፈተንዋ፤ ብሓይሊ ትካላት ፀጥታን ደሕንነትንናን መስዋእቲ ደቃን ኢትዮጵያ ከም ትማሊ ሎሚ እውን ፀኒዓ ደው ኢላ ኣላ፣ ንኣፍሪቃ ዓወት ዝኸውን ዕማም ትፍፅም ኣላ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ዝተኻየዱ ፃዕርታት ስራሕቲ ሪፎርምታት ትካላት ፀጥታን ፀገም ደሕንነትን ናብ ዕድላት ክቕይራ ኣኽኢልወን እዩ።
ብቴክኖሎጂ፣ ሓይሊ ሰብ፣ ኣወዳድባ ዘመናዊ ዝኾነ ሓይልታት ፀጥታና ብፃዕርን ሽርክነትን ህዝብና ሃገራዊ ኩለመዳያዊ ውፅኢት ንምምዝጋብ ኣኽኢሉና እዩ።
ሃገራዊ ረብሓታትና ንምሕላው እንገብሮ ዲፕሎማስያውን ስትራተጂካውን ንጥፈታት ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ተሰጋጊሩ፡፡
ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን ሰላም ንምምስራት ዝተራእየ ምዕባለን ዝተረኸበ ውፅኢትን ዘተባብዕ ብምዃኑ፣ ኣብ መላእ ሃገር ውሑስ ሰላም ክሳብ ዝስፍን ዝተዋደደ ፃዕሪ ትካላት ፀጥታን ደሕንነትን ህዝብን እናተጠናኸረ ክቕፅል እዩ።