መመሓላለፊ መገዲታትን መከላኸሊ ሜላታትንሕማም ቫይረስ ማርበርግ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕማም ቫይረስ ማርበርግ (Marburg Virus Disease) ብመልክዕ ለበዳ ዘጋጥም ሕማም ምፍሳስ ደምን ትኩሳትን እንትኸውን ኣብ ሰብን ካልኦት እንስሳትን ከጋጥም ይኽእልል።

ምልክታት እቲ ሕማም ነቲ ቫይረሱ ኣብ ዝተቓለዐ ካብ 2 ክሳብ 9 ኣብ ዘለዉ መዓልቲታት ዝረአ ኢዩ፡፡

ምልክታቱ ድማ:-

👉 ካብ ኣፍ፣ ኣፍንጫ ወይ እውን ካብ ቆርበት ደም ምፍሳስ፣
👉 ልዑል ትኩሳት፣ ቁሪ ቁሪ ምባል ምባልን ሕማም ርእሲን፣
👉 ሕማም ጭዋዳን ዝባንን፣
👉 ዕውልውል ምባል፣ ሕማም ከብዲን ተቕማጥን፣
👉 ኣብ ኣፍልቢ፣ ዝባንን ከብዲን ኣዚዩ ጎሊሁ ዝረአ ሽፍታን ኢዮም።
መመሓላለፊ መገዲታት እቲ ሕማ
👉 ምስ ሕሙም ደም፣ ሽንቲ፣ ንብዓትን ካልኦት ፈሰስቲን ዝፍጠር ቀጥተኛ ንኽክእ፣
👉 ብዝሓመመ ወይ እውን ዝሞተ ሰብ ናይ ሰውነት ፈሳሲ ዝተበከሉ ናውቲ (ከም ክዳን፣ ዓራት፣ መርፍእን ካልኦት መገልገሊታትን) ብዝህሉ ምንኽኻእ፣
👉 ካብዚ ብተወሳኺ በቲ ሕማም ካብ ዝተትሓዛ ለዃኺቶታት ናብ ሰባት ይመሓላለፍ ኢዩ።
መከላኸሊ መገዲታት እቲ ሕማም
👉 ዝተዘርዘሩ ምልክታት እንታጋጥሙ ናብ ትካላት ሕክምና ምኻድ፣
👉 ምስ ዝሓመመ ምንኽኻእ እንተሃሊዩና ከምኡ እውን ትኩሳት እንተዘይሃሊዩ ብቕልጡፍ ናብ ትካል ጥዕና ምኻድ፣
👉 ሞት ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ኣስከሬን ብሰብ ሞያ ምስንዳእን ምቕባርን፤ ኣድላዪ ዘይኮነ ስነ ስርዓት ቀብሪ ክተርፍ ምግባርን ዝተተናኸፉ ናውቲ ምውጋድ፣
👉 ካብ ዝሓመመ ሰብ ደምን ፈሳሲ ካብ ምነኽኻእ ምርሓቕ፣
👉 ንዝሓመመ ሰብ ክንክን ኣብ ንገብረሉ እዋን መከላኸሊ ሜላታት ማለት እውን ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ማስክ ናይ ኢድ ጓንትን ምጥቃም፣
👉 ኢድ ብሳኒታይዘር ወይ እውን ብሳሙናን ብማይን ብግቡእ ምሕፃብ ከምዝግባእ ሓበሬታ ሚኒስቴር ጥዕና የመላኽት።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment