ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕማም ቫይረስ ማርበርግ (Marburg Virus Disease) ብመልክዕ ለበዳ ዘጋጥም ሕማም ምፍሳስ ደምን ትኩሳትን እንትኸውን ኣብ ሰባትን ካልኦት እንስሳትን ከጋጥም ይኽእል።
ምልክታት እቲ ሕማም በቲ ቫይረስ ዝተቓለዐ ሰብ ካብ 2 ክሳብ 9 መዓልቲታት ውሽጢ ዝረኣዩ እንትኾኑ፤ ምልክታቱ ድማ:-
👉 ካብ ኣፍ፣ ኣፍንጫ ወይ እውን ካብ ውሽጢ ቆርበት ደም ምፍሳስ፣
👉 ልዑል ትኩሳት፣ ቁሪ ቁሪ ምባልን ሕማም ርእሲን፣
👉 ሕማም ጭዋዳን ዝባንን፣
👉 ዕውልውል ምባል፣ ሕማም ከብዲን ተቐማጥን፣
👉 ኣብ ኣፍልቢ፣ ዝባንን ከብዲን ኣዚዩ ጎሊሁ ዝረአ ሽፍሽፍታ ኢዮም።
መመሓላለፊ መገዲታት እቲ ሕማም
👉 እቲ ሕማም ምስ ደም፣ ሽንቲ፣ ንብዓትን ካልኦት ፈሰስቲን ዝፍጠር ቀጥታ ምንኽኻእ፣
👉 ብዝሓመመ ወይ እውን ብዝሞተ ሰብ ሰውነት ፈሳሲ ዝተበከሉ ናውቲ (ከም ክዳን፣ ኮቦርታ፣ መርፍእን ካልኦት መገልገሊታትን) ብዝግበር ምንኽኻእ፣
👉 ካብዚ ብተወሳኺ በቲ ሕማም ካብ ዝተጽኻዛ ዝተፈላለያ ኣዕዋፍ ለዃኺቶ ናብ ሰባት ይመሓላለፍ።
መከላኸሊ መገዲታት እቲ ሕማም
👉 ዝተዘርዘሩ ምልክታት እንተጋጥሙ ብህፁፅ ናብ ትካላት ሕክምና ምኻድ፣
👉 ምስ ዝሓመመ ሰብ ምንኽኻእ እንተነይሩናን ትኩሳት እንተሃሊዩን ብቕልጡፍ ናብ ትካላት ጥዕና ምኻድ፣
👉 ሞት ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን እቲ ኣስከሬን ብሰብ ሞያ ምስንዳእን ምቕባርብ፤ ዘየድሊ ስነ ስርዓት ቀብሪ ክተርፍ ምግባርን ምንኽኻእ ዘለዎም ናውቲ ምውጋድን፣
👉 ካብ ዝሓመመ ሰብ ምንኽኻእ ደምን ፈሳሲን ምርሓቕ፣
👉 ንዝሓመመ ሰብ ክንክን ኣብ ንገብረሉ እዋን ሜላታት መከላኸሊ ማለት እውን ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ማስክን ናይ ኢድ ጓንትን ምጥቃም፣
👉 ኢድ ብሳኒታይዘር ወይ እውን ብሳሙናን ማይን ብግቡእ ምሕፃብ ከምዝግባእ ሓበሬታ ሚኒስቴር ጥዕና የመላኽት።