ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለከቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብመንግስቲ ተግባራዊ ዝተገበረ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ቁልፊ ፀገማት ኢኮኖሚ ከምዝቐረፈ ሚኒሰትር ገንዘብ ኣፍሊጡ።
ሚኒስተር ገንዘንብን ተፀዋዕቲ ትካላትን ገምጋም ኣፈፃፅማ መደባት ቀዳማይ ፈረቓ ዓመት 2017 ዓ.ም ኣካይደን።
ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ፥ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ተግባራዊ ዝተገበረ ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ውፅኢታዊ ከምዝነበረ ኣብሪሆም።
ኣብ ዝተረፉ ኣዋርሕ ኣብ ኣፈፃፅማ ፖሊሲ ታክሲ፣ ኣተኣኻኽባ ሃፍቲ ወፃኢ፣ ኣፈፃፅማ ሓበራዊ ማዕቐፍ ሽግሽግ ዕዳ፣ ምሕደራ ፍሰት ጥረ ገንዘብ ምድላው ባጀትን ጠመተ ብምሃብ ከምዝሰርሕ ሓቢሮም።
ሚኒስተር ዴኤታ ሚኒስትር ገንዘብ ኢዮብ ተካልኝ(ዶ/ር) በግደኦም፥ ኣብቶም ዝሓለፉ ኣዋርሕ ዝነበረ ኣፈፃፅማ ስራሕ በዝተናበበን ዝተዋደደን ኩነታት ዝተማልአ መማሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ተግባራዊ ተገይሩ መሓንቓት ኢኮኖሚ ዝነበሩ ፀገማት ዕልባት ዝረኸብሉ ነይሩ ኢሎም።
ውፅኢት ክርከብ ዝኸኣለ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ተዋዲዱ ብምስርሑ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
እዚ ዝተጀመረ ምትሕብባርን ምውዳድን ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ምግላፆም ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።