መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ብዙሓት ናይ ወፃኢ ኢንቨስትመንታት እናሰሓበ ይርከብ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ብዙሓት ኢንቨስትመንት ወፃኢ እናሰሓበ ይርከብ ኢሎም፡፡

ኣብ ዓውዲ ምትሕብባር ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያን ቤልጂየምን ዘድሀበ መድረኽ ቢዝነስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ፡፡

ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ኣብቲ እዋን ኣብ ዝገበሩዎ መደረ፤ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ብዙሓት ኢንቨስትመንታት ወፃኢ እናሰሓበ ይርከብ ኢሎም፡፡

10 ዝኾኑ ኩባንያታት ቤልጂየም ዝተሳተፉሉ መድረኽ ልውውጥ ልምዲ ኣካል እዚ ድሌት ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቶም ኩባንያታት ምስ ናይ ውሽጢ ሃገር መሓዙት ብምዃን ኣብ ቢዝነስ ናይ ምስታፍ ድሌት ከምዘለዎም ገሊፆም።

ክልቲአን ሃገራት 120 ዓመታት ዝተሳገረ ርክብ ከምዘለወን ዘዘኻኸሩ ኣምባሳደር ቤልጂየም ኣብ ኢትዮጵያ ኣኔሊስ ቬርስቲቼል ብግደኦም፥ እቲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ስዒቡ ዕድላር ኢንቨስትመንት ከምዝተስፋሕፍሑ ተዛሪቦም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ቢዝነስ ኩባኒያታት ሕርሻ ቤልጂየም፣ ኣብ ዝሕደስ ሓይሊ፣ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂን ዳግመ ምልማዕ ፕላስቲክን ልምዶም ከካፍሉ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብክብረወሰን ኑሩ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment