ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘበናዊ ንግዲ ችርቻሮ ንምስፍሕፋሕን ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ንምስሓብን ዕድል ፈጢሩ ኢዩ ኢሎም ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣህመድ ሽዴ፡፡
ኣብ ትሕቲ ኢንቨስትመንት ግሩፕ ሚድሮክ ዝርከብ ኩዊንስ ሱፐርማርኬት ናይ ንግዲ ስያመኡ ምስ ሙሉእ ኣሰራርሕኡ ሰነደ ስምምዕነት ምሕዝነት ፍራንቻይዝን ቀረብን ምስ ዓለም ለኸ ትካል ንግዲ ችርቻሮ ካርፎር (Carrefour) ተፈራሪሞም።
ኣይተ ኣህመድ ሽዴ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ኢትዮጵያ ዝገበረቶ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ጭቡጣት ውፅኢታት እናምፀአ ይርከብ።
በቲ መመሓየሺ ንግዲ ችርቻሮ ነወፃኢ ዕዳጋ ክፍቲ ከምዝተገበረ ብምዝኽኻር÷ እዚ ስዐቡ ድማ ዓቕሚ ዘለዎም ትካላት እናመፅኡ ከምዝኾኑ ኣዘኻኺሮም።
በዚ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዘበናዊ ንግዲ ችርቻሮ ንምቅልጣፍ ዘኽእሉ ኣሰራርሓታት ከምዝተዘርግሑ ብምግላፅ÷ ፈረንሳዊ ግሩፕም ካርፎር ናይዚ መርአያ ከምዝኾነ ፀሪሖም።
ክልቲኦም ትካላት ዝገበሩዎ ስምምዕነት ኢትዮጵያዊያን ፅሬት ዘለዎም ፍርያታት ንኽረኽቡን ፍርያታት ኢትዮጵያ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ንኽፋለጡን ዕድል ዝፈጥር ኢዩ ኢሎም።
ብመረት እቲ ስምምዕነት 13 ዐንፈራት ኩዊንስ ሱፐርማርኬት ናብ ካርፎር ብራንድ ዝቕየሩ እንትኾኑ÷ እቶም ናይ መጀመርታ መደብራት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ መፋርቕ 2026 ስራሕ ክጅምሩ ኢዮም ተባሂሉ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!