ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መመሓየሺ ኢኮኖሚ ንማሕበረሰብ ንግዲ ውሽጢ ዓዲ ይኹን ወፃኢ ምቹው ናይ ንግዲ ከባቢ ንኽፍጠር ኣኽኢሉ ኢዩ ኢሎም ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር)።
መበል 15 ዓለም ለኸ ምርኢት ንግዲ ኢትዮ-ቻምበር “ናይ ኢትዮጵያ ይዓድጉ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ይግበሩ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኸፊቱ።
ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ኣብቲ መርሃ ግብሪ መኽፈቲ ከምዝበሉዎ፥ መሰል ምርኢታት ንግዲ ወፃኢ ንግዲ ንምድንፋዕን ፍርያታት ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ዕዳጋታትን ንምቕራብን ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣለዎም።
ካብዚ ብተወሳኺ ፖሊሲታት ንግዲ ናብ ተግባር ንምልለዋጥን ሸየጥቲ፣ ዓደግቲን ኢንቨስተራትን ንምርኻብ ልዑል ዕድል ከምዝፈጥሩ ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ ዝተግበረቶ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ብዙሓት ውፅኢታት ተመዝግብ ኣላ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር÷ ንኣብነት እውን ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ካብ ወፃኢ ንግዲ 5 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ኣልዒሎም።
እቲ መመሓየሺ ንማሕበረሰብ ንግዲ ውሽጢ ሃገር ይኹን ወፃኢ ምቹው ከባቢ ንግዲ ክፍጠር ኣኽኢሉ ኢዩ ኢሎም።
መንግስቲ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ንምድጋፍ ቆራፅ ከምዝኾነ ብምግላፅ÷ ብፍላይ ኣናእሽቲን ማእኸለዎትን ኢንተርፕራይዛት ንምብቃዕ ብትኹረት ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፆም።
ብሃይለማሪያም ተገኝ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!