ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መመሓየሺ ኢኮኖሚ ኣብ ምቕናስ ድኽነትን ዓውዲ ኣፍረይቲ ኣብ ምጥንኻርን ልዑል ግደ ኣበርኪቱ ኢዩ ኢሉ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ።
ዲፕሎማሲ ኢኮኖሚ ንምጥንኻር ዝዓለመ መድረኽ ፓነል ተሳሊጡ።
ኣማኻሪ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ወርቃለማሁ፥ ሕፅረት ሽርሻሮ ንግዲን ሸርፊ ወፃኢን ብምቕራፍ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፀኢ ብልዑል ደረጃ ንክውስኽ ምግባሩ ገሊፆም።
ብመሰረት እዚ ኢትዮጵያ ብቐጥታ ኢንቨስትመንት ወፀኢ ካብቲ ቀጣና ቀዳመይቲ ካብ ኣፍሪካ ድማ ሳልሰይቲ ደረጃ ንክትሕዝ ኣኽኢሉ ኢዩ ኢሎም።
ኣማኻሪ ዓውዲ ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ሚኒስቴር ገንዘብ ኣልባብ ኣብደላ ብግደኦም፥ እቲ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ንቀጣናዊን ዓለም ለኻዊን ኢንሼቲቫት ናይ ባዕሉ ግደ ምብርካቱ ተዛሪቦም።
ብሚኪያስ ኣየለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!