ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2019 ዓ.ም (ኤፍ ኤም ሲ)መረፃ፣ ልዕልነት ሕጊን ምምላስ ተመዛበልቲን ቀንዲ ኣጀንዳታት በዓል ሓደራ ምምሕዳር ትግራይ እዮም ኢሎም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ጉዳያት ፖለቲካን ውዳበታት ህዝቢን ኣይተ ረዳኢ ሓሎፎም፡፡
ኣይተ ረዳኢ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፤ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዕላዊ ስራሕቱ ከም ዝጀመረ፣ ምስ ህዝቢ ብምዝርራብ ሓሳባትን ርእይቶታትን ናይ ምእካብ ስራሕ እናካየደ ከምዝርከብ ኣብሪሆም።
እቲ ምምሕዳር ካብ ዝሰርዖም ቀንዲ ቀንዲ ኣጀንዳታት ሓደ ናፃን ዲሞክራስያዊን መረፃ ምክያድ ምዃኑ ብምሕባር፤ ህዝቢ ረብሓይ የረጋግፁለይ እዮም ኢሉ ዝኣምነሎም መራሕቲ ብናፃ ክመርፅ ዘኽእል ኩነታት ክፍጠር ከም ዝግባእ ኣመልኪቶም።
ኣብ ከይዲ መረፃ ናፅነት ህዝቢ ዝግድቡ ተግባራት ኣብ ውሱናት ከባቢታት ከም ዝተርአዩን ንኽእረሙ ኣድላዪ ስጉምቲ ክውሰድ ከም ዝግባእን እውን ኣገንዚቦም።
ኣይተ ረዳኢ ምጅማር መንግስታዊ ኣገልግሎታትን ምርግጋፅ ልዕልና ሕጊን ቀዳምነት ከም ዝተዋህቦም ብምሕባር፤ ቅድሚ ሕዚ ዝተፈፀሙ ገበናት ብሕጋዊ መስርሕን ኣሰራርሓን ክውድኡ እዮም ኢሎም።
ብዛዕባ ተመዛበልቲ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፤ ኣብ 2016 ዓ.ም ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ከይምለሱ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ክተዓናቐፍ ከም ዝገበረ ብምፅራሕ ሕዚ ግና ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንኽምለሱ ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ስራሕቲ ከም ዝካየዱ ገሊፆም።
ኣብ ውዳበታት ፖለቲካ፣ መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ሓዊሱ ኩሉ ትግራዋይ ዝሳተፈሉ ዕድል ክረክብ ዝኽእለሉ ኩነታት ከምዝፍጠር ሓቢሮም።