መረፃ፣ ምዝገባ ፓርቲታት ፖለቲካን ኣዋጅ ስነ-ምግባርን መረፃ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ መረፃ፣ ምዝገባ ፓርቲታት ፖለቲካን ኣዋጅ ስነ-ምግባርን መረፃ ኣፅዲቑ።

እቲ ቤት ምኽሪ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ካልኣይ ህፁፅ ኣኼባ ዘፅደቖ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ዝካየድ ሃገራዊ መረፃ 26 ዓንቀፃት ምምሕያሻት ዝተገበረ እዩ።

እቲ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ፣ መናእሰይን ጉድኣት ኣካልን ኣብ ፖለቲካ ዘጠናኽር ምዃኑን ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ኣዋጅ ኣብ ጣቢያ መረፃ ዝነበረ መረፃ ቅርታ ሰማዕቲ ኮሚቴ ናብ መረፃ ክልል ንክኾን ዝተገበረ ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡

ምዝገባ መረፅቲ ብቴክኖሎጂ መሰረት ዝገበረ፣ ዓለም ለኸ ተሞክሮታት ዘጠቓልልን ኣብ መረፃ ፓርቲታት ፖለቲካ ምዝገባን ከይዲ ክፍተትን ከምዝመልእ እውን ተሓቢሩ።

እቲ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ሃገራዊ ፓርቲ ፖለቲካ ንምዃን ኣብ 6 ክልላት ሓገዝ ምርካብ ዘግድድ እዩ፡፡

እቲ ኣዋጅ 1394/2017 ኮይኑ ብብሉፅ ድምፂ ፀዲቑ፡፡

ብዙፋን ካሳሁን

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment