መረፃ ብሰላማዊ፣ ፍትሓዊን ዴሞክራሲያዊን መገዲ ንምውጋን ምድላው ተገይሩ – ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ፍትሓዊ፣ ዴሞክራሲያዊን ሰላማዊን ብዝኾነ መገዲ ምውጋን ዘኽእል ምድላው ገይሩ ኢሎም ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ።

እቲ ቤት ምኽሪ ሃገር ለኸ ሓበራዊ መድረኽ ዘተ መውፃእቲ ሕጊ ርክብ መንግስታት ስርዓት ንምውሳን ኣብ ዘውፀኦ ኣዋጅ ቁፅሪ 1231/2013 መሰረት ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ እናካየደ ይርከብ።

ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ሃገር ለኸ ሓበራዊ መድረኽ ዘተ መውፃእቲ ሕጊ ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ኣብ ምርግጋፅ ሓደ ናይ ፖለቲካን ኢኮኖሚን ማሕበረሰብ ንምህናፅ ወሳኒ ኢዩ።

በዚ ድማ ኣብ መድረኽ ዘተ እዚ ዓመት እዋናዊን ሃገራዊን ጉዳያት ተላዒሎም ምስ መውፃእቲ ሕጊ ፌደራልን ክልልን ልዝብ ክግበረሎም ኢዩ ኢሎም።

ምድላው 7ይ ሓፈሻዊ መረፃን ግደ ኣቢያተ ምኽሪን፣ ኣብ ፐብሊክ በጀትን ትንተና ፋይናንስን መፅናዕቲን ሰነድን ናይ ሕጊ ኦዲት ሰነድን ምኽክር ከምዝግበር እውን ገሊፆም።

መንግስቲ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ፍትሓዊ፣ ዴሞክራሲያዊን ሰላማዊን ብዝኾነ መገዲ ምውጋን ዘኽእል ምድላው ገይሩ ኢሎም።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ኣቢያተ ምኽሪ ክልላትን ናይዚ ዓመት መረፃ ካብ 6ይ ሓፈሻዊ መረፃ ብዝሐሸ ንምፍፃም ናይ ምትሕብባር እጃሞም ብብቕዓት ክዋፅኡ ከምዘለዎም ኣገንዚቦም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment