ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ረብሓ ሃገርን ህዝብን ንምሕላው መራኸብቲ ሓፋሽ ብትኹረት ክሰርሑ ይግባእ ኢሎም ኣማኻሪ ማሕበራዊ ጉዳያት ቀዳማይ ሚኒስትር ሙዓዘ ጥበባት ዲ/ያ ዳኒኤል ክብረት።
ግደ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ብሄራዊ ረብሓ ሃገር ዘለዎም ግደ ንምዝታይ መድረኽ ዘተ እናተኻየደ ይርከብ።
ሙዓዘ ጥበባት ዲ/ያ ዳንኤል ክብረት ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ ከይዲ ህንፀት ሃገር ውሽጢ መራኸብቲ ሓፋሽ ልዑል ግደ ኣለዎ።
ህዝባዊ ምትእምማን ንምፍጣር፣ ህዝባዊ ክብርታት ንምዕባይ፣ ሃገራዊ ብልፅግና ንምርግጋፅ ብትኹረት እናተሰርሐ ይርከብ ኢሎም።
ብቤተልሄም መኳንንት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!