መራኸብቲ ሓፋሽ ንብሄራዊ ረብሓ ፍሉይ ቆላሕታ ክህባ ይግባእ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መራኸብቲ ሓፋሽ ንብሄራዊ ረብሓ ዝሕሉ ፀብፃባት ፍሉይ ቆላሕታ ሂበን ንክሰርሓ ተሓቲቱ።

ማእኸል ስልጠና ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ምስ ናይ ሩሲያ ዓለም ለኸ ሚዲያ ኣርቲ ብምትሕበባር ንሰብ ሞያ ሚዲያ ሰልጠና ሂቡ።

ምክትል ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣልዓዛር ታደለ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ክልቲአን ትካላት ብሓባር ዘካይድኡ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ስልጠና ዓለም ለኸ ጋዜጠኛ ኣርቲን በዓል ሞያ ካሜራን ልምዶም ንሰብ ሞያ ሚዲያ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣካፊሎም።

ሰብ ሞያ ሚዲያ ዝተወሰና ዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ ናይ ካልኦት ሃገራት ፅባቐ ንምብልሻው ኮነ ኢለን ዝውዝዕዑ ፕሮፓጋንዳ ምምካት ትፅቢት ከምዝግበረሎም ኣብቲ መድረኽ ስልጠና ቀሪቡ።

ነዚ ድማ ብሄራዊ ረብሓ ማእኸል ብምግባር ሓድነትን ተረባሕነትን ህዝቢ ዘጉልሁ ፀብፀባት ንክሰርሑ ተሓቲቱ።

ብሃይለማርያም ተገኝ

Comments (0)
Add Comment