ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንምዕባለ ኢኮኖሚ ኣስተዋፅኦ ይገብር ኣሎ ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብ ክልል ሶማሌ ከተማ ጅግጅጋ ብምርካብ ብመርሃ ግብሪ ምንባር ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ሓደ ፀሓይ ኣሰሮም ኣንቢሮም።
ጎስጓስ ሓምለዋይ ኣሰር ካብ ዝተጀመረሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት ንኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣስተዋፅኦ ዝገብሩ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ፈልሲ ተተኺሎም ኢዮም ኢሎም።
ንንግዲ ወፃኢ ኢትዮጵያ ልዑል ግደ ዘለዎም ከም ቡንን ኣቮካዶን ዝበሉ ተኽሊታት ኣብቲ መርሃ ግብሪ ብስፍሓት ምትካሎም ገሊፆም።
ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣርእዩ ኢዩ ብምባል፥ ሓምለዋይ ኣሰር ንምዕነባለ ኢኮኖሚ ልዑል ኣስተዋፅኦ ምግባሩ ሓቢሮም።
ብሚኪያስ ኣየለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!