መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ኣብ ፓኪስታን…

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣቦ መንበር ብሄራዊ ባይቶ ፓኪስታን ሰይድ ዩሱፍ ራዛ ጊላኒ ኣብ ኢትዮጵያ ዕዉት ዝኾነ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር መሰረት ዝገበረ ሃገራዊ ወፍሪ ሓምለዋይ ኣሰር ፓኪስታን ከጀመር ኢየ ኢሎም።

እቶም ኣቦ መንበር ምስ በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ፓኪስታን ጀማል በከር (ዶ/ር) ዘቲዮም።

እቶም ኣቦ መንበር፥ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ካብ ዝጀመረሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመፅአ ለውጢ ንኢዶም።

ብራእይን ዕዉትነትን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ምግራሞም ብምግላፅ፥ እቲ ተበግሶ ፈልሲታት ምትካል ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ሃገርና ክሊማዊ ለውጢን ናይ ህዝብታት ናይ ቅድሚት ተስፋን ብዘላቒ ልምዓት ብዛዕባ ምርግጋፅ ኢዩ ኢሎም።

አምባሳደር ጀማል በከር (ዶ/ር) ብግደኦም፥ ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዕውትነቱ ካብ ተኸላ ፈልሲ ንዓቐብ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment