መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኩሉ ብበዓል ዋንነት ዝሳተፈሉ እዩ – ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኩሉ ዜጋ ሃገር ንምልወጥ ብበዓል ዋንነት ዝሳተፈሉ ኣሰር ወለዶ እዩ ኢሎም፡፡

ሎሚ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፣ ምክትል ፕሬዚዳንት ናይጀርያ ካሺም ሼቲማንን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ገምገም ሩባ ጉለሌ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ተኻይዱ፡፡

ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፅዎ፤ መርሃ ግብሪ ሓምላይ ኣሰር ምስ ሃገራዊ ልምዓት ኢኮኖሚ ዝተኣሳሰረ እዩ፡፡

ለውጢ ከባቢ ኣየር ኣብ ኣፍራይነት ልዑል ፅልዋ ከምዘለዎ ብመሕባር፤ ምስዚ ተኣሳሲሩ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ከባቢ ካብ ምልዋጥ ሓሊፉ ንኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ምንስዕራር ልዑል ግደ ኣለዎ ኢሎም፡፡

መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኩሉ ዜጋ ሃገር ንምልወጥ ብበዓል ዋንነት ዝሳተፈሉ ኣሰር ወለዶ ምዃኑ ተዛሪቦም፡፡

“ብምትካል ምንስዕራር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብብርኪ ሃገር 7 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፈልሲታት ክተኽሉ እዮም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment