ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ በቢዓመቱ እተካይዶ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ካብ ሽይጣት ካርቦን ዝርከብ እቶት ዘዕቢ ኢዩ ኢሉ ልምዓት ደኒ ኢትዮጵያ።
ኣብቲ ትካል ኣተሓባባሪ ብሄራዊ ፕሮግራም ንከያ ምስዳድ ካርቦን ይተብቱ ሞገስ (ዶ/ር) ንፋና ዲጂታል ከምዝበልዎ፥ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብዚ ሐዚ እዋን 23 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ ዝበፅሐ ሽፋን ደኒ እዛ ሃገር ብምውሳኽ ሽይጣት ካርቦን ክብ ንምባል ወሳኒ ኢዩ።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ኢትዮጵያ ካብዚ ዓውዲ አትረኽቦ ኣታዊ ልዕል ንምባልን ብፍላይ ብብርኪ ሃገር ስሩዕ ዝኾነ ሽይጣት ካርቦን ንምክያድን ትሰርሕ ከምዘላ ተዛሪቦም።
ክሳብ ሐዚ ከም ሃገር ካብ ሽይጣት ካርቦን ልዕሊ 500 ሚሊየን ብር ኣታዊ ከምዝተረኸበን ሓረስቶት እውን ተረባሕቲ ከምዝኾኑን ሓቢሮም።
መርሃ ገብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ተወሳኺ ኣታዊ ንምርካብ ዘኽእል ብምዃኑ ብዝበለፀ ክጠናኸር ከምዝግባእ ገሊፆም።
ብሶስና ኣለማየሁ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!