ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዓቕሚ ስሕበት ዓውዲ ቱሪዝም ክብ ዘብል ኢዩ ኢለን ሚኒስትር ቱሪዝም ሰለማዊት ካሳ።
እተን ሚኒስትር ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሸገር ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ሓደ ፀሓይ ኣሰረን ኣንቢረን።
ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝስራሕ ዘሎ ስራሕ ዓቕሚ ስሕበት ዓውዲ ቱሪዝም ክብ ዘብል ኢዩ ኢለን።
እቲ መርሃ ግብሪ ካብ ምጅማር ከይዲ ለውጢ ናብዚ ይስርሑ ካብ መንጎ ዘለዉ ንትውልዲ ዝሳገሩ ብዙሓት ኢንሼቲቫት ተረቋሒ ከምዝኾነ ኣገንዚበን።
ዝዓረቑ ከባቢታት መሊሶም ዝለምዕሉን ፅባቐ ዝውስኽሉን ብምዃኑ ንዓውዲ ቱሪዝም ርኡይ ግደ ከምዘለዎ ገሊፀን።
ብታምራት ደለሊ
#ሓምለዋይኣሰር
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!