መርሃ ግብሪ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣይተ ኣማን ፍሰሃፂዮን ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መርሃ ግብሪ ስነ-ስርዓት ቀብሪ መስራቲን ወናኒን ኢቢኤስ ቴሌቪዥን ኣይተ ኣማን ፍሰሃፅዮን ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ይካየድ ኣሎ።
ኣይተ ኣማን ፍሰሃፅዮን ብዝሓደሮም ሕማም ብሕክምና ክትትል እናተገብረሉም ፀኒሑ ብ4 ለካቲት 2018 ዓ.ም ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈለዩ እንትኾን፤ ትማሊ ኣስክሬኖም ካብ ኣሜሪካ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩም።
ብኣይተ ኣማን ፍስሃፅዮን መርሃ ግብሪ ምስናይ ኣስክሬን ሰብ መዚ ኮርፖሬሽን ብሮድካስት ኢትዮጵያ ሓዊሱ ተወከልቲ ዝተፈላለዩ ትካላት መንግስቲ፣ ቤተሰብን ፈተውትን ከምኡ እውን ሰብ ሞያውያን መሳርሕቱን መራሕቲ ሃይማኖትን ተረኺቦም ሕቁፊ ዕንበባ ኣንቢሮም።
ብሚልኪያስ ኣዱኛ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
Comments (0)
Add Comment