ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) መሰረተ ልምዓት መገዲ ጉዕዞ ብልፅግና ንምድጋፍ ልዑል ሓገዝ ይገብር ኣሎ ኢለን ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ።
ሃገራዊ ጉባኤ ዓውዲ መገዲ፥ “ብሓባር ንኢትዮጵያ ንህነፅ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ይካየድ ኣሎ።
ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ፥ ህንፀት መገዲ ብመንግስቲ ልዑል ጠመተ ካብ መንጎ ዝተውሃቦም ዓውዲታት መሰረተ ልምዓታት ሓደ ኢዩ ከብላ ገሊፀን።
በቢከባቢኡ እንትግብሮም ፕሮጀክትታት መሰረተ ልምዓታት መገዲ ካብ መገዲ ብተወሳኺ ዕዳጋ፣ ዕድልን ኣፍደገ ስልጣነን ከምዝኾኑ ኣገንዚበን።
ስለዝኾነ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ነህንፀት መገዲ ግቡእ ደገፍ ነክገብሩ ኣፅንኦት ሂበን።
ብቤዛዊት ከበደ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!