መስመር ባቡር ኢትዮ- ጂቡቲ ዓቕሚ ፅዕነቱ የመሓይሽ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መስመር ባቡር ኢትዮ- ጂቡቲ ዓቕሚ ፅዕነቱ የመሓይሽ ከምዘሎ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ ትካል ታከለ ኡማ (ኢ/ር) ገሊፆም።

እቲ ዋነናአፈፃሚ ስራሕ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣገልግሎት ፅዕነት ባቡር ካብ እንዶዴን ኣዳማን ናብ ሞጆ፤ ድሬዳዋን ሰበታን ጣብያታት ምስፋሕ ከምዝኸኣለ ኣገንዚቦም።

ምብልሻው ዘጋጠሞም ማሽነሪታትን መነሳርሒታትን ብምፅጋን ቁፅሪ ተንቀሳቓሲ ናይ ፅዕነት ባቡር ካብ 8 ናብ 21 ከምኡወን 892 ዝነበሩ ዋገራት ትራንስፖርት ቁፅሮም ናብ 935 ክብ ምባል ከምዝተኽኣለ ሓቢሮም።

ብመሰረት እዚ መስመር ባቡር ኢትዮ- ጂቡቲ ዓቕሚ ፅዕነቱ የመሓይሽ ከምዘሎ ገሊፆም።

 

 

Comments (0)
Add Comment