ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 36 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ሰለስተ ፀወታታት ተኻይዶም፡፡
ኣብቲ ሊክ ንዘይምውራድ ኣብ ዝግበር ንሕንሕ ዝርከባ ጋንታታት ዝተፃወታሎም ሰለስተ ፀወታታት ብተመሳሳሊ ግዘ ሰዓት 9፡00 ተኻይዶም፡፡
ብመሰረት እዚ ኣብ ኩለመዳይ ስታዲየም ወንጂ መቐለ 70 እንደርታ ምስ ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲ ተራኺባ መቐለ 70 እንደርታ 2 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ተዓዊታ።
ምውዳቓ ምስ ዘረጋገፀት ጋንታ ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲ ዝገጠመት መቐለ ሰብዓ እንደርታ ዓወት ብምምዝጋባ÷ ካብቲ ሊግ ንዘይ ምውራድ ኣብ ትገብሮ ንሕንሕ 3 ወሰንቲ ነጥቢታት ክትረክብ ክኢላ፡፡
ብተመሳሳሊ ጋንታታት ኣዳማ ከተማን ፋሲል ከነማን ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ዘራኸበ ፀወታ 2 ን 2 ማዕረ ተፈላሊየን።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሓደጋ ምውራድ ትርከብ ጋንታ ኢትዮ ኤሌክትሪክ ንመቻል 1 ን 0 ብምስዓር ወሳኒ ዓወት ኣመዝጊባ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!