አዲስ አበባ፣ ጥቅምት 4፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል ካልኣይ ሰሙነ ክእለት ኣፍሪካ ይሳለጥ ኣሎ።
እቲ መድረኽ፥ “ባቕሚ ኢንዱስትሪ ኣፍሪካ ምጉልባት፣ ንምህዞ፣ ምዕባለን ዘላቒ ከእለትን ምውዓል” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘለዎ ኢዩ።
እቲ ሰሙን፥ ፖሊሲታት ልምዓት ኢንዱስትሪን ክእለትን፣ ፅርየትን ሓቛፊነትን ልምዓት ክእለት፣ ተወዳዳሪነት ኢንዱስትሪ፣ ሃፍቲ ምክፋል፣ ትካላዊ ልምዓት፣ ቴክኖሎጂን ምህዞን ጠመተ ዝገበረ ኢዩ ተባሂሉ።
ካብ ሎሚ ጀሚሩ ክሳብ 7 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም ከለምዝፀንሕ እውን ተገሊፁ።
ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፋሪሃት ካሚልን ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማህሙድ ዓሊ ዩሱፍን ሓዊሱ ተወከልቲ ሃገራት፣ ኣምባሳደራትን መዳርግቲ ኣካላትን ይሳተፉ ኣለዉ።
ብዮናስ ጌትነት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!