ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል ካልኣይ ጉባኤ ስርዓተ ምግቢ ሕቡራት መንግስታት ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።
ኢትዮጵያ ሉእላውነት ምግቢ ንምርግጋፅ ዘካየደቶ ተግባራት ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ ንማሕበረሰብ ዓለም ኣካፊላ።
እቲ ጉባኤ ሓምለ 2015 ዓ.ም ኣብ ጣሊያን ሮም ኣብ ዝተሳለጠ ፈላማይ ጉባኤ ሰርዓተ ምግቢ ሕቡራት መንግስታት ዝተኣተዉ ቃላት ትግበረኦም መበገሲ ብምግባር ዝካየድ ኢዩ ተባሂሉ።
ኣብ መንጎ መንግስታት፣ ኣፍረይቲ ምግቢ፣ ማሕበረሰብ ንግዲን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ዘሎ ሽርክና ምጥንኻር ካሊእ ናይቲ ጉባኤ ኣጀንዳ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
ኣብቲ ጉባኤ ሃገራት ትርንስፎርሜሽን ስርዓተ ምግቢ በዝምልከት ዝረኸብኡ ዓወታትን ዘጋጠመን በድሆታትን ፀብፃብ ከምዘቕርባ ተገሊፁ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!