ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ካብ 13 ክሳብ 15 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ባህርዳር ክካየድ ዝፀንሐ መበለ 12 ዓለም ለኸ ጣና ፎረም ብዓወት ተዛዚሙ ኢሉ ዋና መምርሒ ፖሊስ ክልል ኣምሓራ።
ዋና ላዕለዋይ መምርሒ ፖሊስ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ከምዝሓበሮ፤ እቲ መርሃ ግብሪ ብዓወት ምስተዛዘመ ኣጋይሽ ናብ ዝመፅኡሉ ቦታ ክሳብ ዝምለሱ ዝተዋደደ ስራሕቲ ምኽባር ፀፅታ ተኻይዱ።
እቲ መምርሒ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ፀፅታ ብምውሃድ ዝተጠናኸረ ስራሕቲ ሓለዋ፣ ቁፅፅር ፍሰት ትራፊክን ገበን ቅድሚ ምፍፃሙ ናይ ምክልኻል ስራሕቲን ብትኹረት ከምዘኻደ ገሊፁ።
እቲ ጉባኤ ብዓወት ንኽዛዘም ለይቲን ቀትሪን ብሞያዊ ብቕዓትን ብዝተጠናኸረ ዲሲፕሊንን ንዝሰርሑ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፣ ፌደራል ፖሊስ፣ ፖሊስ ክልልን ኣካላት ፀጥታ ክልልን ከምኡ እውን ትካላት ፀጥታ እቲ መምርሒ ምስጋና ኣቕሪቡ።
ካብዚ ብተወሳኺ ነበርቲ ከተማ ባህር ዳርን መናእሰይን ንሰላምን ድሕንነትን ከባቢኦም ብምግዳስ ዝገበሩዎ ልዑል ምትሕብባር ኣመስጊኑ።
ዋና ላዕለዋይ መምርሒ ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ኣብቲ ክልል ዘላቒን ዘተኣማምን ሰላም ንምዕሳልን ዝጀመሮ ዝተዋደደ ስራሕ ምኽባር ሕጊን ድሕንነት ህዝቢን ናይ ምርግጋፅ ብዝተጠናኸረ መልክዑ ከምዝቕፅል ምግላፁ ሓበሬታ ፖሊስ እቲ ክልል የመላኽት።