ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) መበል 12 ጣና ፎረም፣ “መንገድታት ሰላም ኣብ ኣፍሪካ፦ ኢኮኖሚያዊ ሉኣላውነትን ጂኦፖለቲካዊ ሽግግርን” ብዝብል መሪሕ ቃል ብዕሊ ተጀሚሩ።
ኣብቲ መድረኽ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሓዊሱ መራሕቲ ኣፍሪካን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ሰላም፣ ድሕንነትን ኢኮኖሚያዊ ሉኣላውነትን እታ ኣህጉር ዘተ ከካይዱ ትፅቢት ይግበር።
ብተወሳኺ ኣብቲ መድረክ እናተቐየረ ዝመፅእ ዘሎ ዓለምለኻዊ ስርዓት፣ ኣፍሪካ ክህልዋ ብዛዕባ ዝኽእል ግደ እውን ዘተ ከምዝካየድ፣ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዘውፀኦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።