ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 130 በዓል ዓወት ዓድዋ “ካብ ዘኹርዕ ታሪኽ ናብ ብሩህ ኣድማስ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ መዘከሪ ዓወት ዓድዋ ይኽበር ኣሎ።
ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ ስላሴን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን እቲ በዓል ምኽንያት ብምግባር ኣብ እግሪ ሓወልቲ ዳግማዊ ሃፀይ ምኒልክን መዘከሪ ጀጋኑ ዓድዋ ሕቑፊ ዕምበባ ኣንቢሮም።
ኣብ ምኽባር እቲ በዓል ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ሓዊሱ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ፣ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፣ ሚኒስትር ምክልኻል ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር)ን ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ተረኺቦም።
ካብዚ ብተወሳኺ ፕሬዚዳንት ማሕበር ጥንታዊ ጀጋኑ ሓርበኛታት ልጅ ዳንኤል ጆቴ፣ ሚኒስትራት፣ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራትን ተወከልቲ ዓለም ለኸ ትካላትን ሓዊሱ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻልን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ነበር ፕሬዚዳንታት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴን ሙላቱ ተሾመ (ዶ/ር)ን ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝን ተረኺቦም።
ብግዛቸው ግርማዬ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!