መበል 18 ውድድር ጉያ ፍርቂ ማራቶን ኢትዮጵያ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) መበገሲን መብፅሒን ኣብ መስቀል ኣደባባይ ዝገበረ መበል 18 ውድድር ጉያ ፍርቂ ማራቶን ኢትዮጵያ ኣብ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ ፋንቱ ወርቁ ብውድድር ደቂ ተባዕትዮ ድማ ሌሊሳ ፉፋ ተዓዊቶም።

ብውድድር ደቂ ደቂ ኣንስትዮ ፋንቱ ወርቁ ካብ ኢትዮ ኤሌክትሪክ ብቀዳማይ እንትትዕወት፤ እቲ ውድድር ንምዝዛም 1 ሰዓትን 13 ደቒቓን 30 ሴኮንድን ወሲዱላ፡፡

ኣብቲ ውድድር ኣይናለም ደስታ 2ይ ደረጃ ሒዛ እንትትወፅእ፤ ብዙኣገር ኣደራ ካብ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ 3ይ ደረጃ ዛዚማ።

ኣብ ውድድር ደቂ ተባዕትዮ ድማ ሌሊሳ ፉፋ ካብ ኦሮሚያ ፖሊስ ብ 1 ሰዓትን 03 ደቒቓን 46 ሴኮንድ ብምእታው ብቀዳማይ ምዝዛም ክኢሉ።

ነጋሳ ደቀባ ካብ ኦሮሚያ ኮንስትራክሽን 2ይ እንትወፅእ፤ ሰይፉ ቱራ ድማ ብውልቂ 3ይ ደረጃ ሒዙ።

ኣብዚ ውድድር ዝተዓወቱ ኣትሌታት ቀዳማይ ደረጃ ዝሓዙ 150 ሺሕ ብር፣ ካልኣይ ደረጃ ዝሓዙ 100 ሽሕ ብር፣ ሳልሳይ ደረጃ ዝሓዙ ድማ 75 ሽሕ ብር ተሸሊሞም።

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

Website www.fanamc.com/tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment