መበል 19 ሃገራዊ መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ ብድምቀት ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) መበል 19 ሃገራዊ መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ ብድምቀት ምኽባር ጀሚሩ፡፡

“ሰንደቕ ዕላማና ንሃገራዊ ምርድዳእን ንሓድነትናን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ክኽበር ዝጀመረ መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ፣ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ሥላሴ ብዕሊ ኣጀሚሮምዎ።

እቲ መርሃ ግብሪ ብምትሕብባር ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ፣ ኣብ ኩለን ክልላትን ምምሕዳራት ከተማን፣ ኣብ ቤት ፅሕፈታት መንግስቲ፣ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ከምኡ እውን ኣብ ወፃኢ ሃገራት ኣብ ዝርከባ ኤምባሲታትን ቆንስላትን ኢትዮጵያ ብተመሳሳሊ ሰዓት ይኽበር ኣሎ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣሕመድ ሺዴ፣ ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ወ/ሮ ሙፈሪሃት ካሚል፣ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቴዎድሮስ ምህረትን ሚኒስትር ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ኣይተ ፍቃዱ ተሰማ ሓዊሱ ላዕለዎት መኮንናት ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment