ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 19 ብሄራዊ መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ ሎሚ መዓልቲ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ብድምቀት ይኽበር ኣሎ።
እቲ ዕለት “ሰንደቕ ዕላማና ንብሄራዊ ምርድዳእን ንሓድነትናን” ብዝብል መሪሕ ቃክ እዩ ዝኽበር ዘሎ።
እቲ ምድላው ኢትዮጵያውያን ዶብን ክብሪን ሃገሮም ንምሕላው ደሞምን ረሃፆምን ኣፍሲሶም፣ ኣዕፅምቶም ሓምሺሾም ዘኽበርዋ ሰንደቕ ዕላማ ብሓባር ዝኽበረሉ እዩ።
መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ እዚ ዓመት ብምትሕብባር ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ መላእ ሃገር ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ክኽበር እዩ።
እቲ በዓል ኣብ ኩለን ክልላትን ምምሕዳራት ከተማን፣ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ፣ ኣቢያተ ትምህርቲ፣ ከምኡ እውን ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝርከባ ኤምባሲታትን ቆንስላታትን ኢትዮጵያ ብተመሳሳሊ ሰዓት ከም ዝኽበር ሓበሬታ እቲ ባይቶ የመላኽት።