ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 20 መዓልቲ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ብፍሉይ ድምቀት ክኽበር ኢዩ ኢሎም ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፡፡
መበል 20 መዓልቲ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ብዝምልከት ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣባላት ዓብዪ ኮሚቴ ፈላማይ ዘተ መሪሕ ትልሚ ይካየድ ኣሎ።
ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ መበል 20 መዓልቲ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኣብ ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ ዝኽበር ምዃኑ ናይ ለውጢ መንግስቲ ሕቶ ናይ ምምላስ ተግባራዊ ትሩፋት ዘርኢ ኢዩ።
እቲ ዕለት ብፍሉይ ድምቀት ከምዝኽበር ብምሕባር÷ ንዓመታት ኣብ ሞንጎ ልሂቃን እናተኣናገደ ዝነበረ ልዑል ፀገም ኣፈላላይ ንምፍታሕ ከም ሃገር ምኽክር ከምዝግበረሉ ሓቢሮም።
ኣብቲ መድረኽ ዘተ ናይ ኩለን ክልላት ኣፈጉባኤታት፣ ቀወምቲ ኮሚቴታት ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን፣ ሚኒስትራትን ሚኒስትር ዴኤታታትን ተረኺቦም፡፡
መበል 20 መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኣብ ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ ከተማ ሆሳዕና 29 ሕዳር 2018 ዓ.ም ክኽበር ኢዩ።
ብይስማው ኣደራው
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!