ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 20 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ፅባሕ ኣብ ጃፓን ከተማ ቶኪዮ ብወግዒ ክጅመር ኢዩ።
ኢትዮጵያ ኣብ’ቲ ሻምፒዮና ካብ 800 ሜትሮ ጀሚራ ክሳብ ማራቶን ኣብ ዘ\ለዉ ርሕቐታት ከምኡ’ውን ውድድር ስጉሚ ብክልቲኦ ፆታ ክትሳተፍ ኢያ።
ስለዝኾነ ኣብቲ ውድድር ዝሳተፉ ኣትሌታት በዝተፈላለዩ ዙራት ናብ ‘ታ ከተማ ኣምሪሖም።
ቅድም ክብል ናብ ቶኪዮ እኣተወ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ትማሊ ፈላማይ ልምምዱ ኣይዱ ኣሎ።
ካብ 3 ክሳብ 11 መስከረም 2017 ዓ.ም ኣብታ ከተማ ኣብ ዝካየድ ውድድር ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 2 ሺሕ ኣትሌታት ክሳተፉ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!