ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻደ ዝቐነየ መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ተዛዚሙ።
እቲ ጉባኤ “ዘላቒ ቀረብ ማይን ድሕንነቱ ዝተሓለወ ስርዓታት ሓለዋ ፅሬትን ምርግጋፅ፥ ሸቶታት ኣጀንዳ 2063 ንምዕዋት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ተኻዱ።
እቶም መራሕቲ ኣብ መበል 48 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ዘተ ዝተገበረሎም ኣጀንዳታት ተዛቲዮም።
ኣብ ድሕንነትን ሓለዋ ንፅህናን ማይ፣ ኣብ ትግበራ ኣጀንዳ 2063ን ኣህጉራዊ ምትእስሳርን፣ ኣብ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ልምት፣ ልምዓት ሓይሊ ሰብ፣ ትካላዊን ፋይናንሳዊን ሪፎርምታት፣ ዞባዊ ምሕዝነትን ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ዘለዋ ግደ ልዝብ ካብ ዝተገበረሎም ኣጀንዳታት ይፅርሑ።
ንክልተ መዓልቲ እናተኻየደ ዝቐነየ መበል 39 ስሩዕ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ብምሕላፍ ከምዝተዛዘመ ግዜኢ ፀብፂቡ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!