ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 47 መድረኽ ጉሚ በለል ይሳለጥ ኣሎ።
እቲ መድረኽ፥ ዴሞክራሲያዊ ምርድዳእ ንህብረ ብሄራዊ ሓድነት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ ተባሂሉ።
መበል 20 መዓልቲ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ምኽኒያት ብምግባር ኣብ ዝካየድ ዘሎ እቲ መድረኽ፥ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ተረኺቦም።
ኣፈ ጉባኤ ጨፌ ኦሮሚያ ሰዓዳ ኣብዱራህማን፥ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኩሎም ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ብሓባር ንክነብሩ ዘኽእል ኢዩ ኢለን።
ሕብረት ምኽባር ከምዝግባእ ብምግላፅ፥ ሓቢርካ ምንባር ዝተረጋገፀላን ዝማዕበለትን ሃገር ንምህናፅ ኩሉ ሰብ ብሓባር ክሰርሕ ከምዝግባእ ተዛሪበን።
ዘይምርድዳኣት ብሃገራዊ ዘተ ምፍታሕ ኣድላዪ ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ነዚ እውን ምሁራን ዘለዎም ግደ ልዑል ኢዩ ኢለን።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!