ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 65 ዓመት በዓል ምስረታ እዚ ፍሉይ ወፍሪታት ብዝተፈላዩ መደባት እናተኸበረ ይርከብ።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ምኽባር በዓል ምስረታ ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሀኑ ጁላ፣ ጀኔራል መኮንናት ሓዊሱ ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም።
ሎሚ መዓልቲ እውን ክፍሊታት ኣየር ወለድ፣ ፍሉይ ኮማንዶ፣ ፀረ ግብረ ራዕዲን ሓይሊ ባሕሪን ብሓባር ብምዃን ምርኢት ካብ ኣውሮፕላን ምዝላል፣ ተኹሲን ዝላ ገደልን ኣቅሪቦም።
ኣብ ታሪኽ እዚ ፍሉይ ወፍሪታት ዘድሀበ ”ቀየርቲ ማርሽ ውግእ” ብዝብል ርእሲ ዝተፅሓፈ መፅሐፍ ትማሊ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ምምራቑ ይዝከር።
ብመራኦል ከድር