መናእሰይ መፃኢ ዕድል ሃገሮም ኣብ ምስማርር ከይዲ ክሳተፉ ይግባእ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ መናእሰይ ሀገር ዝሓለፈቶ መገዲ ምስትኽኻል ጥራሕ ዘይኮነስ መፃኢ ዕድላ ኣብ ምሕንፃፅ ከይዲ እውን ንቑሕ ተሳተፍቲ ክኾኑ ይግባእ ኢሉ፡፡

እቲ ኮሚሽን ‘ግደ መናእሰይ ንዕዉት ሃገራዊ ዘተ’ ብዝብል ርእሲ ምስ መናእሰይ ክልል ኣምሓራ ዘካየዶ ዘተ ቀዳማይ ምዕራፍ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ባህር ዳር ጀሚሩ።

ኣብቲ መድረኽ ኮሚሽነር ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ብሌን ገብረ መድህን ከምዝበለኦ፤ መናእሰይ ኢትዮጵያ መናእሰይ ሀገር ዝሓለፈቶ መገዲ ምስትኽኻል ጥራሕ ዘይኮነስ መፃኢ ዕድላ ኣብ ምሕንፃፅ ከይዲ እውን ንቑሕ ተሳተፍቲ ክኾኑ ኣለዎም።

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝነበሩ ከይዲታት ኮሚሽን ሃገራዊ ተዘ፤ መናእሰይ ከም ሓደ ክፋል ማሕበረሰብ ከምዝተሳተፉ ኣዘኻኺረን።

እዚ ተሳትፎ ንምጥንኻር እውን ዝተፈላለዩ ሓሳባት እታወታት ንምርካብ ካብ ዝተፈላለዩ ሰብ ሞያ ዝተውፃእፅኡ መናእሰየ ምስታፍ ከምዘድለየ እውን ተዛሪበን።

ምስ መናእሰይ ክልል ኣምሓራ ዘካይዶ ቀዳማይ ምዕራፍ ዘተ ንኣርባዕተ መዓልቲታት ዝፀንሕ ኢዩ።

ኣብቲ መድረኸ ኣብ ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ግደን ተሳትፎን መናእሰይ ኣብ ከይዲ እቲ ዘተ ትርጉም ዘለዎ ተሳትፎን ኣካታታይነት ንኽጉልብት ግደ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ተግባራትን ካልኦት ሓሳባትን ዘተ ክግበር ኢዩ።

ብደሳለኝ ቢራራ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment