ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)6ይ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ መበል 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ ዓስራይ ስሩዕ ኣኼባ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ይሳለጥ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ንዝተልዓሉ ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ ምላሽን መብርሂን፥ መናእሰይ ንናይ ፅባሕ ውድድር ካብ ብሐዚኦም ምድላው የድሊ ኢሎም።
ካብ ሓሙሽተ ዓምዲታት ምዕባለ ኢትዮጵያ ቀደማይ ቴክኖሎጂ ንክኸወን ብምግባር ንትውልዲ ክስራሕ ከምዝፀንሐ ተዛሪቦም።
ብመንፅር እዚ ኤኣይ ተረቋሒ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም መበል ካልኣይ ዝኾነ ዩኒቨርሲቲ ኤኣይ ንምህናፅ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።
እቲ ዩንቨርስቲ ኣብ ዝቕፅል ሓደ ዓመት ስራሕ ከምዝጅምር ድማ ሓቢሮም።
ኣቦታትና መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሃኒፆም ብብርኪ ዓለም ተፀዋዒ ብዝገበርዎ ተመሳሳሊ እቲ ዩንቨርስቲ አወን ንፅባሕ ዝሓሸ ዘበን ሒዙ ክመፅእ ኢዩ ኢሎም።