ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናይ ብሓቂ መግለፂ ፓን ኣፍሪካ ዝኾነ ትካል ኣቪየሽን እዩ ኢሎም ዋና ፈፃሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኣይተ መስፍን ጣሰው።
እቲ መንገዲ ኣየር ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፣ ዓለምለኸ መዳርግቲ ኣካላት፣ መሓዙትን ዲፕሎማሰኛታትን ብዛዕባ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ከባቢ ቢሾፍቱ ዝካየድ ዓለም ለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲን እዋናዊ ኣፈፃፀም ስራሕ ኢሉ እውን ቀፃሊ ትልሚታት ኣቕሪቦም፡፡
ኣይተ መስፍን ጣሰው ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ÷ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብታ ኣህጉር መሪሕ ትካል ኣቪየሽን ብምዃን ኣጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ገሊፆም።
እቲ መገዲ ኣየር ግልጋሎት ድሕንነትን ምችውነት ኣገልግሎትን ካብቶም ቀደምቲ እቲ መንገዲ ኣየር ምዃኑን ኣፍሪካ ምስ ካልኦት ሃገራት ዓለም እናተራኸበ ንዓማዊሉ ዘተኣማምን ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝቕፅልን ሓቢሮም።
በዝሒ ዓማዊል ብቕልጡፍ እናዓበየ ምምፅኡን ንዝሓለፉ 3 ዓመታት ኣብ ቢሾፍቱ ኣቡሴራ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ህንፀት ንምጅማር ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምውዳድ ስራሕቲ ከካይድ ምፅንሑ ሓቢሮም፡፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ፕሮጀክት ዘይተቋረፀ ደገፍ ምግባሩ ብምሕባር፣ ነዚ ድማ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መሪሕነት ከይዲ እቲ ፕሮጀክት ዝከታተል ዓብዩ ብሄራዊ ኮሚቴ ተጣይሹ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ገሊፆም።
ኣብ ቢሾፍቱ ሓዱሽ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣቡሰራ ንህንፀት ጠቕላላ ወፃኢ 10 ቢሊየን ዶላር ዝበፅሕ ከምዝኾነን እቲ ባንኪ ካብ ዝተውሃ ዋሕዚ ፋይናንስ ካብ ምትሕብባር ሓሊፉ 500 ሚሊየን ዶላር ከምዘመቻቸወ ኣዘኻኺሮም።
ብመሳፍንት ብርሌ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!