መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ሃይድራባድ በረራ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ህንዲ ሓምሻይ መዕለቢ ሃይድራባድ በረራ ኣጀሚሩ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ መደረ ዘስምዑ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግሩፕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መስፍን ጣሰው÷ እቲ መገዲ ኣየር ሎሚ ቀጥታዊ በረራ ሃይድራባድ ዘጀመሮ በረራ ምትእስሳር ክልቲአን ሃገራት ዘዕብይ ምዃኑ ገሊፆም።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕዚ ብፅዕነት ናብታ ከተማ ምብራር ከምዝጀመረን ንመገደኛታት ግን ንፈለማ እዋን ከምዝኾነ ገሊፆም÷ እቲ በረራ ኣብ ማሕበራውን ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ናይ ባዕሉ እጃም ኣለዎ ኢሎም፡፡

ብታሪኩ ለገሰ

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

 

 

 

Comments (0)
Add Comment