መንግስቲ ህዝቢ ንዘልዕሎም ሕቶታት ብተግባር ምላሽ ክህብ ኢዩ- ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ ህዝቢ ንዘልዕሎም ሕቶታት ብተግባር ምላሽ ክህብ ኢዩ ኢሎም ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሚኒስትር ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር)።

ኣብ ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ከተማ ቦንጋ ‘ብስራታት ጉባ፤ ትሩፋታት ናይ ምድማር መንግስቲ’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ህዝባዊ መድረኽ ዘተ ተሳሊጡ።

ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ፥ ናይ ምድማር መንግስቲ ፀገማት ህዝቢ ንምፍታሕ ኩለ መዳይ ስራሕቲ ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፉ  ዓመታት ኢትዮጵያ ኣብ ፈተና ኮይና ዘመዝገበቶም ኩለ መዳይ ዓወታት ካብ ዝጀመረቶ ናይ ምዕባለ ጉዕዞ ዘዐንቅፋ ሓይሊ ዘይምህላዉ ዘርእይ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዘጋጠምዎ ፈተናታት ብመፍታሕ ንዘበናት ኒሕ ህዝቢ ምላሽ ምሃቡ ተዛሪቦም።

መንግስቲ ህዝቢ ንዘልዕሎም ሕቶታት ብተግባር ምላሽ ክህብ ኢዩ እውን ኢሎም።

 

ብሲሳይ ለገሰ

 

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment