ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ ምስ ካውንስል ኣቢያተ ክርስቲያናት ኣመንቲ መንጌል ኢትዮጵያ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ተቐራሪቡ ክሰርሕ እዩ ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፡፡
ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህን ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ምስ ሓደሽቲ ዝተመረፁ ኣመራርሓ እቲ ካውንስል ተዛቲዮም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ኣቦታት ሃይማኖት፣ መራሕቲ ኣብያተ ክርስቲያናትን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሸን ኣብ ዝተረኸቡሉ ዝተሳለጠ 5የረ ሓፈሻዊ ጉባኤ እቲ ካውንስል ብዕዉት ኩነታት ብምክያዱ ንኣመራርሓ እቲ ካውንስል ዘለኒ ናእዳ ክገልፅ ይደሊ” ኢሎም።
መንግስቲ ምስ ካውንስል ኣቢያተ ክርስቲያናት ኣመንቲ መንጌል ኢትዮጵያ ኣብ ሓበራዊ ሃገራዊ ጉዳያት ተቐራሪቡ ከምዝሰርሕ ብምግላፅ÷ ኣብ ዘድሊ ኩሉ ትፅቢት ዝግበረሉ ሓገዝ ክገብር ኢዩ ኢሎም።
ንኣመራርሓ እቲ ካውንስል ድማ ፅቡቕ ዘበን ኣገልግሎት ንኽኾነሎም ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!