ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) መንግስቲ ቀዋሚ ደሞዝተኛታት ፅዕንቶ ዜጋታት ንምቅላል ቆራፅ ቅዋም ሒዙ እናሰርሐ ይርከብ ኢሎም ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ።
ሚኒስቴር ገንዘብ ሪፎርም ግልጋሎት መንግስቲ ናብ ሙሉእ ተግባር ምእታው ስዒቡ ካብ ኮሚሽን ስቪል ሰርቪስ ኣፍልጦ ተዋሂብዎ፡፡
ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ÷ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ ሒዲት ዓመታት ዝተኻየዱ ሪፎርምታት ርኡይ ውፅኢት ኣምፂኦም፡፡
ብፍላይ ዝተማልአ ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚያዊ ሪፎርም ኣታዊታት ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ምዕባይን ኢኮኖሚያዊ ንምንቕቓሕን ልዑል ተራ ከምዝተፃወተ ኣረዲኦም።
መንግስቲ ሸርፊ ወፃኢ ብዕዳጋ ክውሰን ምግባሩ ብፋላይ ትሑት ደሞዝ ዘለዎም ዜጋታት ኣብ ፀቕጢ ከይወድቁ ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ከምዝወሰደ ሓቢሮም።
መንግስቲ ቀዋሚ ደሞዝ ተኸፈልቲ ዜጋታት ፅዕንቶ ናብራ ንምቅላል ቆራፅ ቅዋም ሒዙ እናሰርሐ ምዃኑ ብምሓባር ካብ መስከረም ጀሚሩ ዝተገበረ ምምሕያሽ ናይዙይ መርኣያ እዩ ኢሎም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!