መንግስቲ ቃል ብተግባር ብምግላፅ ጉዕዞ ብራኸ ኢትዮጵያ እናዕወተ ይርከብ – ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ ቃል ብተግባር ብምግላፅ ጉዕዞ ብራኸ ኢትዮጵያ እናዕወተ ይርከብ ኢሉ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ፡፡

ሙሉእ መልእኽቲ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡-

መንግስቲ ቃል ብተግባር ብምግላፅ ጉዕዞ ብራኸ ኢትዮጵያ እናዕወተ ይርከብ፡፡

መንግስቲ ለውጢ ጋህዲ ካብ ዝኸውን ጀሚሩ ዝኣተዎም ቃላት እናፈፀመ፣ ንኢትዮጵያ ናብ ዝግበኣ ብራኸ ንምውፃእ ጉዕዞ ምዕባለኣ እናፀበቐ ቀፂሉ፡፡

ቅድሚ ዓመታት ኣብ 2018 ዓ.ም ካብ ተስፋ ብርሃን ናብ ዝጭበጥ ብርሃን ስግግር ክንገብር ኢና ዝብል ራኢ ዝሓዘ ቃል መንግስቲ ፌዴሪኢ ቃሉ ብተግባር እናገለፀ ይርከብ፡፡

ሉኣላዊነት ምግብና ንምርግጋፅ ብዙሕ ርሕቐት ተጓዒዝና፤ ኣብ ሕርሻ፣ ትሩፋት ሌማት፣ ሓምለዋይ ኣሰርን መስኖ ስርናይ ሓጋይን ብምሕጋዝ ሰፋሕቲ ዕድላት ተመዝጊቦም ኢዮም፡፡

ምስሊ ከተማታትና ንምቕያር ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ልዕሊ 70 ከተማታት ምስለን ኣዚዩ ተለዊጡ ኢዩ፡፡ እተን ከተማታት ስርዓት ኣተኣላልያ ፈሳሲ፣ ኣጠቓቕማ እግረኛን ተሽከርከርቲን፤ ከም ማይ፣ ስልኪ፣ ኤሌክትሪክን መሰል ኣገልግሎታትን ዝበሉ መስመራት ዝርገሐ ኣብ ስራሕቲ ኮሪደር ከተማታት ኣዚዮም ንኽዝምኑ ተገይሩ ኢዩ እናተገበረ እውን ይርከብ፡፡

ኣብ መዳይ ቀረብ ዝሕደስ ሓይሊ ንምዕዋት ዝተቐመጠ ሸቶ ዓብዪ ለውጢ ተረኽ ብዝፈጠረ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣቢሉ ጋህዲ ኮይኑ ኢዩ፡፡ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ንኣፍሪካን ካሊእ ዓለም ብዘይ ስባር ሳንቲም ሓገዝ ወፃኢ ብሕብረት ዓበይቲ ፕሮጀክታት ምዕዋት ከምዝከኣል ግድብ ህዳሰ ትእምርትና ኢዩ፡፡

ኣብ ምረቓ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ክቡር ቀዳማይ ሚኒስትርና ካልኦት ዓበይቲ ፕሮጀክታት ከምዝጅመሩ፣ ኣብ ምዝዛም ዝነበሩ እውን ከምዝምረቑ ቃል ምእታዎም ይዝከር፡፡

እነሆ ሕዚ ድማ ጉዕዞ ብራኸ ኢትዮጵያ ዘቀላጥፉ ከም መፍረዪ ተፈጥሮ ጋዝ ዝበሉ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ተመሪቖም፤ ካብ ዝተመረቐ ብብዙሕ ዕፅፊ ፕሮጀክት ተበሰረ፤ ህንፀት ፕሮጀክታት ፋብሪካ መፃረዪ ነዳዲን ፋብሪካ ዘበናዊ ዱኽዒን ተጀመሩ፡፡

ኢትዮጵያ ሓይሊ ኑክሊየር ንሰላማዊ ልምዓት ንምጥቃም ስምምዕነታት ተፈራረመት፤ ካብ ዓለም ለኸ ትካላት እውን ተቐባልነት ረኸበት፡፡ እዚ ኩሉ ቃል ብተግባር ናይ ምልዋጥ ልምዲ ዝወለዶም፤ እምነት ህዝቢን ዓለም ለኸ ትካላትን ምርካብ ዝተኽኣለሎም ውፅኢት ፃዕሪታት መንግስቲ ኢዮም፡፡

መንግስትና ሕዚ እውን ብዝተመዝገቡ ዓወታት ዓጊቡ ዝድቅስ መንግስቲ ኣይኮነን። ጉዕዞ ምዕባለ ኢትዮጵያ እናዕወተ እናዓበዩ ዝመፅኡ ጠለባት እናወለዱ ንዝዓዘዘ ምዕባለ ምትግሁ ክቕፅል ኢዩ፡፡

ንትውልዲ በረከት እምበር ዕዳ ኣይነውርስን ብዝቨሎ መሰረት ብሓበራዊ ፃዕሪ ደቃ ዝማዕበለትን ብኣብነት እትፅራሕ ኢትዮጵያ ናይ ምህናፅ ፃዕሪ ብዝለዓለ ፈጠራ፣ ቅልጣፈን ትግሃትን ክቕፅል ኢዩ፡፡

ኢትዮጵያ ሓዳሽ ናይ ተስፋ ኣድማስ!

ኮሙኒኬሽን ኣገልግሎት መንግስቲ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment