ኣዲስ ኣበባ፣ ግንቦት 29፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ በዓላት በዓላት መርአዪ ሓድነትን ብዙሕነትን ንኽኾኑ ሓለዋ ክገብር ኢዩ ኢሉ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ፡፡
እቲ ኣገልግሎት በዓል ዒድ ኣል ኣድሃ (ዓረፋ) ምኽንያት ብምግባር ንተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምና መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፉ፡፡
ኣብ መልእኽቲ ድማ፤ ሃይማኖታዊን ህዝባዊን በዓላት መርአዪ ብዙሕነትን ሓድነትን ኢዮም ኢሉ።
ኢትዮጵያ ሃይማኖታዊን ህዝባዊን በዓላት መርአዪ ብዙሕነትን ኣብነት ሓድነትን ዝኾኑላ ሃገር ከምዝኾነት ኣገንዚቡ፡፡
እቶም በዓላት ሃይማኖታዊ፣ ባህላዊ፣ ብሄራዊ፣ ኣብ ውሽጢ ገዛ ወይ እውን ናይ ኣደባባይ ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም ኢሉ።
መሰረታዊ ሓሳቦም ግን ሓጎስ፣ ተስፋ፣ ብሄራዊነት ምክፋልን ምትሕግጋዝን ከምዝኾነ ኣብሪሁ፡፡
ሎሚ መዓልቲ ብተኸተልቲ እምነት እስልምና እናተኸበረ ዝርከብ በዓል ዒድ ኣል-ኣድሃ ምርድዳእ፣ ምተርሕስሳብን ሓድነትን ጎሊሁ ካብ ዝንፀባረቐሎም በዓላት ሓደ ኢዩ ኢሉ እቲ ኣገልግሎት።
ኣብዚ በዓል ዘለዎ ንዘይብሉ መኣዲ ዘካፍለሉ፣ ሕብረትን ምሕዝነትን ዘጠናኽረሉ ከምዝኾነ እውን ገሊፁ፡፡
ዜጋታት ሃይማኖታዊን ህዝባዊን በዓላት ብድምቀትን ብሕብረትን ንኸኽብሩ መንግስቲ ኣበርቲዑ ከምዝሰርሕ እውን ኣረጋጊፆም፡፡
ቅልጡፍን እዋናዊን ሓበሬታታት ንምርካብ፡-
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebookwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!