መንግስቲ ብሄራዊ ረብሓ ንክኽበር ጠመተ ሂቡ ይሰርሕ ኣሎ- ኣይተ ከበደ ዴሲሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ ብሄራዊ ረብሓ ንክኽበር ጠመተ ሂቡ ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም ሚኒስትር ዴኤታ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣይተ ከበደ ዴሲሳ።

እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ምስ ፋና ፖድካስት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ምሕላው ሓላፊነት መንግስቲ ጥራሕ ተገይሩ ክውሰድ ኣይብሉን ኢሎም።

ብሄራዊ ረብሓ መሕላው ሰልጣን ሒዙ ሃገር ዝመርሕ ፓርቲ ወይ መንግስቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ዘበን ተሳጋሪ ናይ ዜጋታት ቀንዲ ኣጀንዳ ክኸወን ይግባእ ክብሉ ገሊፆም።

ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኢኮኖሚ እዛ ሃገር ብምዕባይ ብሄራዊ ረብሓን ሉእላውነትን ንምርግጋፅ ልዑል ግደ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ብሄራዊ ረብሓኣ ንከተክብር ባእዳት ወረርቲ ንዘበናት ፀገም እንትፈጥሩ ምፅንሖም ሓቢሮም።

ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ፍልፍል ኣባይ ንምሓዝ ልዑል ፃዕሪ እንትገብሩ ከምዝነበሩ እውን ገሊፆም።

ይኹን እንበር ኢትዮጵያዊያን ብሓባር ብዝገበርዎ ቃልሲ ሽርሒ ፀላእቲ ብምፍሻል ኣባይ ብሓባር ተረባሕነት መትከል ንብሄራዊ ረብሓ ምውዓል ከምዝኸኣሉ ተዛሪቦም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment