መንግስቲ ንኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ ዝሃቦ ትኹረት ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ መንግስቲ ንሰላም ከምኡ እውን ንኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ ዝሃቦ ትኹረት ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም፡፡

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር 3ይ ኤክስፖ ጎስጓስ “ኢትዮጵያ ተፍሪ ንሕና እውን ንሸምት”  ኣብ ከተማ ጎንደር መሪቖም ከፊቶም።

ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ኣብቲ ኤክስፖ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ጎንደር ከም ሃገር ፍሉይ ትኹረት ኣብ ዝተውሃቦ ልምዓት ኣፍራዪ ዘፈር ብዕቱብ እናሰርሐት ትርከብ ኢሎም፡፡

ክልል ኣምሓራ ኣብ እዋን ፀገም እውን ሓርበኛ ልምዓት ኮይኑ ከምዝቐፀለ ጎንደር ምስክር ኢያ ዝበሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር÷ መሰረት ስልጣነ ትማሊ፣ ሎሚን ፅባሕን ኮሪደር ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ እናኾነት ከምትርከብ ገሊፆም።

ጎንደር ከምብሓዱሽ እናተወለደት፣ እናተሰርሐት፣ እናዓምበበት ትርከብ ዝበሉ ኣይተ ተመስገን÷ ህዝቢ እውን ልዑል ድሌት ልምዓት ከምዘለዎን ካብዚ ዘተዓናቕፎ ከምዘይደሊን ኣብሪሆም።

ብለይኩን ኣለም

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment