ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ትኹረት ዝሃቦ ምህርትን መፍረያይነትን ንምዕባይ ተኻኢሉ ኢሉ ሚኒስቴር ሕርሻ።
እቲ ሚኒስቴር ኣብ መርሃ ግብሪ 2018/19 ወፍሪ ልምዓት ዝራእቲ ቀውዒን ክረምትን ብዝምልከት መግለፂ ሂቡ።
ሚኒስትር ዴኤታ ሕርሻ መለስ መኮነን ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ ኢትዮጵያ ምህርትን መፍረያይነትን ክውስኽ ዝኽእል ሃፍቲ መሬትን ማይን ካልኦት ፀጋታት ምህላዎም ኣረዲኦም።
ሃገራዊ ሪፎርም ስዒቡ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ዘመናዊ ንምግባር ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ፣ ዝተመሓየሹ ፖሊሲታትን ዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ተግባራዊ ተገይሮም ኢሎም።
ብተወሳኺ ኣመራርሓታት፣ ሰብ ሙያታት ሕርሻን ሓረስቶትን ብሓባር ፃዕሮም ምህርትን መፍረያይነትን ንምዕባይን ብዙሕ ዓወታት ከምዘመዝገቡን ገሊፆም።
ብየሻምበል ምሕረት