መንግስቲ ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ዝተውሃቦ ትኹረት ኣብ ሓፂር ዓመታት ውሽጢ ብዙሓት ለውጥታት ምምዝጋቦም ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) መንግስቲ ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ዝተውሃበ ትኹረት ኣብ ሓፂር ዓመታት ውሽጢ ብዙሓት ለውጢታት ምምዝጋቦም ቢሮ ምምሕዳር ባህሊ፣ ኪነ-ጥበብን ቱሪዝምን

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ገሊፆም፡፡

ዳይሬክተር ቱሪዝም ውሽጢ ሃገር መባፅሕ ቱሪዝም እቲ ቢሮ ሳምሶን ዓይናቸው÷ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተሰርሑ ፕሮጀክት መባፅሕ ቱሪዝም እታ ከተማን ማእኸል ኮንፈረንስ ቱሪዝም ክትከውን ኣኽኢልዋ ኢሎም፡፡

ሃገር በቀል ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ካብ ዝተገበሮም ዓውዲታት እቲ ሓደ ቱሪዝም ምዃኑ ኣረዲኦም÷ እዚ ድማ ቱሪዝም ከም ዓውዲ ማሕበራዊ እንትረኣይ ካብ ዝነበሮ ናብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ልዑል ትኹረት ተዋሂብዎ እናተሰርሐ ምዃኑ መርኣያ እዩ ኢሎም፡፡

እቶም ዳይሬክተር ምስ ፋና ፖድካስት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ብብርኪ ሃገር ይኹን ኣብታ ከተማ ዝካየድ ፕሮጀክት መባፅሕ ሜጋ ቱሪዝም ነቲ ዓውዲ ዝተውሃበ ትኹረት መርኣያ ከምዝኾኑ ሓቢሮም÷ ማእኸል ኮንፈረንስ ቱሪዝም ኣዲስ ኣበባ ክትከውን ከምዘኽኣለ ገሊፆም፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ንኣስታት 84 ኣህጉራውን ዓለምለኻውን ጉባኤታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምኽያዶም ሓቢሮም÷ ነዙይ እውን ኣብታ ከተማ ዝተሃነፁ ዓበይቲ ማእኸላት ልዑል ግደ ምኽባሮም ገሊፆም፡፡

ብኣድማሱ ኣራጋው

Comments (0)
Add Comment