መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዘደምሙ ውፅኢታት ኣመዝጊቡ ኢዩ – ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ ኣብ ዝሓፉ ሒደት ናይ ለውጢ ዓመታት ዘደምሙ ውፅኢታት ኣመዝጊቡ ኢዩ ኢሎም ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ።

“ብስራታት ጉባ፤ ትሩፋታ መንግስቲ መደመር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ከተማ ኣርባምንጭ ህዝባዊ መድረኽ ዘተ ተኻይዱ።

‎እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብቲ መድረኽ ከምዝበሉዎ፤ ናይ ለውጢ መንግስቲ ሰብ ተኮርን ንምዕባለ ዝተግህን መንግስቲ ብምዃኑ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ናይ ለውጢ ዓመታት ዘደምሙ ውፅኢታት ኣመዝጊቡ።

መንግስቲ ሰላም፣ ምክእኣልን ምክብባርን ኣጥቢቑ ዝደሊ ከምዝኾነን ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ እውን ተምሳሌት ሰላምን ምክእኣልን ብምዃኑ ነዚ ኣጥቢቑ ከፅንሕ ከምዝግባእ ብምግላፅ÷ ኣብ ጉዳይ ሓድነትን ሰላምን ግደ ኣቦታት ጋሞ ዕዙዝ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment