መንግስቲ ጃፓን ንኢትዮጵያ ደገፍ 17 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዶላር ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ ጃፓን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ኣገልግሎት ሕክምና ተመሓላለፍቲ ሕማማት  ንምጥንኻር ዝውዕል ደገፍ 17 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዶላር ገይሩ።

ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት ደገፍ፥ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴን ኣምባሳደር ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ሺበታ ሂሮኖሪን ክታሞም ኣንቢረሙሉ።

ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ፥ መንግስቲ ጃፓን ስርዓት ጥዕና ኢትዮጵያ ንምዝማን ንዝገበሮ ደገፍ አመስጊኖም።

እቲ ዝተገበረ ደገፍ ናይ ክልቲአን ሃገራት ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ብዝበለፀ እናተጠናኸረ ከምዝኾነ ዘርእይ ኢዩ ኢሎም።

ኣምባሳደር ሺበታ ሂሮኖሪ ብግደኦም፥ መንግስቲ ጃፓን ኣብ ኢትጵያ ንዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዝገብሮ ኩለ መዳይ ደገፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም።

ብመላኩ ገድፍ

Comments (0)
Add Comment